Hopp til hovedinnhold

ኣስከር ቤተ መዘክር እንኳዕ መጻእኩም ይብል።

  • 1/1

እዚ ቤተ መዘክር ዓብን ዘደንቕን ጥርናፈ ናይ ገዛውትን ነገራትን ኣለዎ። እቲ ጀርዲን ድማ እምብዛ ዝተሰለመን
ዘነቓቕሕን ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ኣነ ግሪምዳለን ስራሕቲ ብናይ እንስሳታት ቅርጺ ዘጌጸ እዩ። ፉስዳልኦቨን ገዛ ድማ
ናይ ጉንሂል ካፈ፣ ናይ ቤተ መዘክር ቤተ መሸጣ ድኳን ፣ ናይ ምርኢት ኣዳራሽ ዘለዎ ኮይኑ ንምርኢትን ምሕደራን
ድማ ዝቀያየር እዩ።


እዚ ማእከል (ዓይኒ)ናይ እቲ ቤተ መዘክር ድማ ገዛ ናይ ስነ ጥበባውያን ቲላን ኦቶ ቫላስታድን ከምኡ ኣውን
ሁልዳን ኣርነ ጋርቦርግ እዩ። ጥርናፈን ምርኢት ናይ እንስሳታት፣ተኽልታት፣ ተፈጥሮን ድማ ነቲ ዑደት (ዙረት) ምስ
ጽባቐ ኣተሓሒዙ ተመስጦ ይፈጥረልካ።


እቲ ታሪኻዊ ጽቡቕ ዶልሺ (ዋፈል) ድማ ኣሎና።

  • 1/2
    Café Gunhild
  • 2/2
    Tilla and Otto Valstad

ኣስከር ቤተ መዘክር


ጥርናፋ ናይ ቫልስታድ

እዚ እኩብ ናይ ገዛውትን ኣብ ውሽጡ ዝሓዞን ኩሉ ናይ ኦቶ ኣስከር ቤተ መዘክር ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ። እቲ ናይ
ቫልስታድ እኩብ ቲላ ቫልስታድ ብ 1949 ከምዝጸሓፎ ንብረት ናይ ቲላን ኦቶን ንኣስከር ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት
ከም ዝሃቦ ኣረጋጊጹ እዩ።እቶም ክልተ (ጽምድታት) ሰባት መሰረታዊ ዝኾነ ገዛ ኣብ ዳግመ ምጥቃም
(ምግልጋል)ዝተመስረተ ሚሂዞም (ፈጢሮም)እዮም። ካብ ወጻኢ ይኹን ካብ ውሽጢ ሃገር ነቲ ጀርዲን መልክዕን ግርማን
ዝህቡ ነቶም ገዛውቲ እውን ዘማዕርጉ ነገራት ኣምጺኦም እዩም። ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኣስከር ቤተ መዘክር ዝተፈላለዩ
ታሪኻዊ እኩብ ስራሕትን ብቲላን ኦትን ተሰሪሑ እዩ።

  • 1/2
    Arne Garborg
  • 2/2
    Hulda Garborg

ዘይተፈጥሮኣዊ ጀርዲን

ታሪኽ ምንጋር ቃላት፣ ጽባቐን ተመክሮን


ካብ ደቡብ ኣውሮጳ ብዝተረኽበ ምልዕዓል (ምትብባዕ)ቶላን ኦቶ ቫልስታድን ብ 1900 ዝውቱር (ልሙድ) ዘይኮነ
ጀርዲን ኣብ ከባቢ ገዝኦም ዘሎ ( መሬቶም) ግራቶም ጀሚሮም። መብዛሕቶም ናይ ጀርዲን ክፍልታት ዘይልሙድ
ተኽልታትን ኣግራብን ዘለዎም ክንሶም ንሰማይ ዝውንጨፍ ማይ ( ሰብ ዝሰርሖ ፈልፋሊ ማይ) እውን እቲ ናይ ኣነ
ግሪምዳለን ቅርጽታት ናይ ኦቶ ቫልስታድ መንፈስን( ሸይጣን፣ ጋኔን) ናይ እምንን ሃወልትን።

እቲ ናይ ታሕቲ (ኣካል) ምስ ቫልስታድ ፈጺሙ ዘራኽብ የብሉን። ኣስከር ቤተ መዘክር ንስነ ጽሑፍ ንምስፍፋሕ
(ንምዝጋሕ) ስሚዒትካ እትገልጸሉ ክፍሊ ፈጢሩ እዩ። ንሱ እውን ( ናይ ጀርዲን መጽሓፍ) ብዝብል ኣብ ክፉት ኣየር
ዝረአ ምርኢት። ከምኡውን ስራሓቲ ግጥምን ናይ ግሮንስ ናይ 30 ታት ኣጉዶ ከም (መሕሰቢ ሳጹን) ንጽቡቕ ሓሳባት።

መጽሓፍ ናይ ጀርዲን ብቐጻሊ ዝምዕብል ( ዝልወጥ) እዩ።

በዓል (ፌስታ) ዝበዓለሉ ቦታ (ስፍራ)

እቲ ኣረጊት ኣማሓዳሪ ናይ ፉስዳል ሕርሻ ነቲ ኣብ ኣስከር ዝርከብ ሕርሻ ብ 1991 ከም እንደገና ኣብ ኣስከር
ቤተ መዘክር ተመስሪቱ። ብ 1943 ቲላን ኦቶ ቫልስታድን ናብ እቲ ምብራቓዊ ከተማ መንበሪ ክፍሊ ጊዒዞም እቲ
ቐይሕ ናይ ኣፍራስ መዳጎኒ ድማ ሆልመን መሕጸቢ ( ፍዩርድሆቴል) ዝመጸ ኮይነ ኣብ እዚ ብ 1991 ዝተመዝገበ እዩ።


17 ግንቦት ኣብ እቲ ናይ ቤተ መዘክር መዓልቲ ከምኡ እውን ኣብ እቲ ናይ ቀውዒ ፌስታ ሂወትን
ሳዕሲዕትን፣ሙዚቃዊ ምርኢት፣ናይ ሞያታት ውጽኢትን ምቅራብን ኣሎ። ኣብ እቲ ቅድሚ 100 ዓመታት ዝነበረ ቑሸት
(ዓዲ) ኣብ እዋን ጽድያን ቀውዕን ካብ ኣስከርን ባሩምን ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ መጺኦም ይሰርሑን ይጻወቱን።

  • 1/1
    Låbråten

ላብሮተን

ደረስት (ጸሓፍቲ) ኣርነን ሁልዳ ጋርቦግን ብ 1897 ናብ እዚ ጊዒዞም። ሁልዳ ሕብራውን ዘመናውን ገዛ ፈጢራ
(ሰሪሓ)። ጽቡቕ ገዛ ጽቡቕ ሕብረተሰብ ንክትሃንጽ(ንክትፈጥር) መሳርሒ እዩ ትብል።


ላብሮተን ንናይ ጋርቦርግ ደቂ ሕድርትና ( መንፈስ) መኣከቢ ቦታ (ስፍራ) ክኸውን ከሎ ኣቦታት ንገዛእ ርእሶም
ንቛንቛን ስነ ጽሑፍን፣ ቲያትር ( ተዋስኦ) ናይ ባሕሪ ገምገምን ልምድን ስራሕቶም ናይ ኖርወይ መንነት ንኽቐርጹ
(ክሃንጹ) ጌይሮም እዮም።


ኣስከር ማዛጋጃ ቤት ( ሚኒችፕዮ) ብ 1995 ላብሮተን ካብ እቶም ወረስቲ ገዚእዎ እዩ። ሕጂ እቲ ገዛ ሓላዋ
ተገይሩሉ ናብ እቲ ብ 1915 ዝነበሮ ኩነታት ተመሊሱ እዩ።
ላብሮተን ናይ ኣስከር ቤተ መዘክር ኣካል እዩ። ንህዝቢ ድማ ክፉት እዩ።


ኣብ ፌስቡክ ተኸታተሉና

ኣስከር ወረዳ 1897-1924

እዚ ንእሽቶ ከባቢ ናይ እቲ ሃገር ብሄራዊ ቤት ፍርዲ ጋዜጣ ብወርሒ ግንቦት 17 ናይ ኖርወይ ትያትር
ክምስረት ጌይሩ እዩ።ካብ ሆልበርግ ክሳብ ሆመር ዝተወሰኑ ዋና (ቀንዲ-ኣገዳሲ) ናይ ጽሑፍን ትርጉምን ፕሮጀክትታት
ፈጺሙ እዩ።


ኣስከር ወረዳ ኣብ ቫልስታ- ኣስከር ናይ ባህላዊ ፖሊሲ ምኽንያታዊ ሓይሊ ኮይኑ ሎሚ (ሕጂ) ኖርወይ ዘላቶ
ኩነታት ንምልዋጥ (ንምምሕያሽ) ክሕግዝን ተጽዕኖ ክገብርን ሓጊዙ እዩ። ስራሕቶም ድማ ምስ ኣርነ ጋርዶርግ ኣብ
ላብሮተን -ቫልስታ ዝነበረሉ እዋን ይተሓሓዝ።


ኣባላት ናይ ኣስከር ወረዳ ዝነበሩ ድማ ሁልዳን ኣርነ ጋርድቦርግን፣ክሪስቶፎር ኡፕዳል፣ራስሙስ ሎላንድ፣ኦላቭ
ኒጎርድን እስተይነር ሽዮትን እዮም። ኣብ ኣስከር ወረዳ ውሽጢ ናይ ክልቲኦም ተጻመቲ ( ሰብኣይን ሰበይትን) ስነ
ጥበባውያን ገዛውቲ ጋርቦርግን ቫልስታድን ቤተ መዘክራት እዮም።

  • 1/4
  • 2/4
  • 3/4
  • 4/4

ኣስከርኩም ፍለጥዋ።

ኣስከር ቤተ መዘክር ካብ እቲ ናይ ስነ ጥበባዊ (ሽንጭሮ) ወጻኢ ገምገም ባሕሪ መቐመጢ ገዛ ኮንግሉንገን
ትርከብ።


ጎደና ኮንግሉንገን 19,1392 ቨትረ
ሓደ ካብ እቲ ናይ ገምገም ባሕሪ መስመር ሉል ድማ ኣብ ሓጋይ ሙሉእ መዓልቲ ካብ ሰዓት 08 ክሳብ ሰዓት
20 ክፉት እዩ።


ናይ ኣልበርት ስሄይምስ ቤት ዕዮ ጋራጅን መደባቱን ኣብ ሴም ሳግን ኣሎ። ብምስምማዕን ብቖጸራን ድማ እቲ
ኣረጊት ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ኣብ ያንስሎካ ዘሎ ይኽፈት እዩ። ብቖጸራ ሰንበት እውን ይኽፈት እዩ።
ኣስከር ቤተ መዘክር ንቫኮስን ንቫልስታድስተይንን ፍጹም ናይ መበገሲ ( መንቀሊ) ነጥቢ እዩ።


ዓቢ ናይ መካይን መዐሸጊ ድማ ብናጻ ኣሎ።

ታሪኽ ዘሕጉስ እዩ።

ዝኽፈተሉ ሰዓት


ሰሉስን ዓርብን ካብ ሰዓት 11.00 ክሳብ ሰዓት 15.00
ሰንበት ካብ ሰዓት 12.00 ክሳብ ሰዓት 16.00
ብታሕጓስ ድማ ናብ እቲ ስነ ጥበባዊ ገዛውቲ ሓቤረታ ከም እንህብ ንሕብረኩም።

Museum24:Portal - 2024.03.08
Grunnstilsett-versjon: 1